እዚ ‘ካብ ዕለታዊ ናብራኻ ጥራይ ምንባር ወጺኻ እቲ ትምነዮ ዓይነት ሂወት ክትፈጥር ምኽኣል’ ብዝብል ኣርእስቲ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ሰናብቲ ዝቅጽል ምሉእ ብምሉእ ብትግርኛ ዝወሃብ ትምህርቲ ኮይኑ ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት የጠቃልል፣
- ኣብዚ ፕሮግራም ንጥዕና ስነ ኣእምሮ ዝምልከት ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ከምኡ ውን ኣብ ካናዳ ዕዉት ሂወት ክትሃንጹሉ ትኽእሉ መንገድን ክትመሃሩ ኢኹም።
- ቀጺሉ ንስራሕ ምርካብን ረዘመ (Resume) ምህናጽን ዝምልከት ብክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ትምህርትን ማዕዳን ክወሃበኩም ከምኡ ውን ንሶም ረዘመ ክሰርሑልኩም ኢዮም።
- ብተወሳኺ ኣብዚ ፕሮግራም ብዛዕባ ንሓደሽቲ መጻእቲ ናብ ካናዳ ዝወሃብ ናይ ገንዘብን ናይ ኣገልግሎትን ሓገዛት ከምኡ ውን ንመሰል ተኻራይን ኣካራይን ዝምልከት ሓበሬታ ብኽኢላታት ናይቲ ዓውዲ ክወሃበኩም ኢዩ።
ንራከበሎም ዕለታት፤
·
ብኣካል 1ይ መደብ፡ ሰንበት 25 ጥቅምቲ, 2026፡ ካብ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ-6፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ብኣካል 2ይ መደብ፡ ሰንበት 01 ሕዳር,2026 ካብ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ-6፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ብኣካል 3ይ መደብ፡ ሰንበት 08 ሕዳር,2026 ካብ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ-6፡00 ድሕሪ ቀትሪ
አድራሻ:
ኣብ 15 Hove St, North York, ON M3H 4Y8 (ኣብ ጥቓ Sheppard Yonge and Baturst St.) ክካየድ እዩ።